ተጻራሪ ኣናብባ ንዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ቻይናን ሩስያ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ወርሒ ግንቦት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሰፊሕ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ዝሰሓበ ዑደት ናብ ቻይናን ሩስያን ኣካዪዱ። ርክብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ክልተ ዓበይቲ መራሕቲ ኣብ ዘቤታዊ፡ ዞባዊ ዓለማዊን መድረኻት ክህሉዎ ዝኽእል ለውጢ ንምግምጋም እምበኣር’ዩ ሎሚ ሒዝናዮ ዘሎና ዛዕባ: ኣብዚ ርክባት ዘለዎም ሓሳባት ንኸካፍሉና፡ ምሁር ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዘርአስላሴ ረድኢን ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብቐረባ ዝከታተል ኣልኣዛር ኣብርሃምን ዓዲምና ኣሎና።