ተጥቃምነት ዓይኒ ምድሪ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ብ58% ከምወሰኸ ተገሊጹ 

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሸፈነ ህላወን ተጠቃምነትን ዓይኒ-ምድሪ ኣብ ገጠራት ብ58% ከምዝወሰኸ ገሊጹ።


ብሜላ ኮም ዝመርሖ ሓባራዊ ጽሬት ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ ካብ 2% ናብ 60% ከምዝዓበየ ሓላፊ ኣሃዱ ጽሬትን ንጽህናን ኣቶ ኣብርሃም ምላሽ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ።ብደረጃ ዞባ እቲ ሸፈነ ኣብ ዞባ ማእከል 97% ኣብ ዞባ ደቡብ ከኣ 40% ከምዝኾነ ዝሓበረ ኣቶ ኣብርሃም ነዚ ጋግ ንምጽባብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ጉዳይ ጽሬት ከተማታት ምስ ማስተር ፕላንን ካልእ ረቛሒታትን ዝተኣሳሰር ብምዃኑ ምስ ዝምልከቶም ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት በውህደት ንምስራሕ ዘኽእል መርሓ-ጎደና ንምድላው መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ኣቶ ኣብርሃም ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

Your browser doesn’t support HTML5

ተጥቃምነት ዓይኒ ምድሪ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ብ58% ከምወሰኸ ተገሊጹ