ተዓጽዩ ዝነበረ መስመር ኢትዮጵያ ጅቡቲ ተኸፊቱ

ብምኽንያት ምንቅስቓስ ተቓውሞ ትማሊ ተዓጽዩ ዝነበረ መስመር ኢትዮጵያ ጅቡቲ ሎሚ ከምዝተኸፍተ ተገሊጹ

ክልላት ሶማሌን ዓፋርን ኣብ ዝዋሰንሉ ቀበሌታት ብምኽንያት ናይ ይግብኣኒ ሕቶታት፡ ግጭት ካብ ዝደጋገመሎም ስፍራታት ሓደ ኣብ ዝኾነ `ሲቲ` ዝተባህለ ወረዳ ዝነብር ሓደ ሰብ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ለንቅነ ወሪዱና ዝበልዎ ጉድኣት ንኽፍለጠሎም ነቲ መስመር ከምዝዓጸውዎ ተዛሪቡ።

እቲ ጽርግያ ኮነ መንገዲ ባቡር ሎሚ ብሰራዊት ምክልኻል ተኸፊቱ ስሩዕ ስርሑ ቀጺሉ`ሎ ዝበለ ተወላዲ ብሄረ ዓፋር ብወገኑ፡ ክልቲኦም ክልላት ዝሰሓሓብሉ ቀበሌታት ተኻሊሉ ስለዘይተዛዘመ ግጭታትን መሰል ክስተታትን ይዕድም ምህላዉ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ናይ ትማሊ ናይ መንገዲ ምዕጻው ዝስማዕ ዘሎ ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ካብ ብሄራት ዓፋርን ሶማሌን ዝተዋጽኡ ተወከልቲ ኣብ ከተማ ገዳማይቱ ናይ ሰላም ጉባኤ ምክያዶም ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ ሰዓት`ዩ።

ተመሳሰልቲ ናይ ሰላም ጉባኤታት ከምዝካየድ’ ውን ተሓቢሩ`ሎ ።