ተወሳኺ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ሕ/ሃን ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካን ጸዊዖም

  • ዜና ቪኦኤ
    በትረ ስልጣን

ፋይል

ዳሕረዋይ ምግዓዝ ረድኤት ካብ ዝጅምር ንደሓር 169 ረድኤት ዝጻዓና መካይን 43,000 ኩንታል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓገዝ ጽዒነን ናብ ክልል ትግራይ ኣትየን ኣለዋ። እቲ ቀረባት ካብ መቀለ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተኸፋፊሉ እዩ።

እንተኾነ ምስ’ቲ ናብ ትግራይ ክላኣኽ ዝነበሮ መጠን ኣነጻጺርካ እቲ ዛጊት ዝኣተወ ሓገዝ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱያሪክ ብምሕባር፣ ከም ኣገልግሎት ኤለክትሪክ፣ ስልኪ፣ ኢንተርኔትን ባንኪን ግና ሎሚ’ውን ተቋሪጾም ምህላዎም ሓቢሮም።

እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ቅድሚ ኣዋርሕ ክረምቲ ምጅማሩ፣ ድኹዒን ዘርኢን ናብ ትግራይ ንምእታው ሕቡራት ሃገራትን መጻምድቱ ትካላት ረድኤትን ምስ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ይዘራረቡሉ ከምዘለው’ውን ሓቢሩ።

ዳይሬክተር ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣመሪካ (ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ) ሳማንታ ፓወር ብወገነን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝወረደ ‘ጥፍኣት’ ኢለን ዝገለጽኦ ኣብ’ቲ ዞባ ዝተወለዐ ውግእ ንትሸዓተ ሚልዮን ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ከምዝገበሮ፣ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ካብ ከባቢኦም ከምዘፈናቀለ ጠቂሰን።

ሳማንታ ፓወር ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ኣስታት 90% ህዝቢ ተጸባዪ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢረን።

"ነቲ ኣብ ትግራይ አጋጢሙ ዘሎ ሰፊሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምምላእ፣ ሰሙን ሰሙን ኣስታት 500 ረድኤትን ኣገደስቲ ነገራትን ዝጻዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ግድን እዩ። ኩነታት የንቆልቁሉ እዮም ዘለው። ስድራ ቤታት ዝቅመስ መግቢ የብሎምን" ኢለን።

ሳማንታ ፓወር ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ህዝቢ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብኣዊ ቀረባት ኣብ ዝጽበይሉ፣ ኩሎም ፌደራላዊን ክልላዊን ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን መራሕቲ ኮሚኒቲን፣ ነዚ ዕድል’ዚ ክጥቀሙሉ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝተጀመሩ ኣዎንታዊ ሰብኣዊ ቀረባት ክውስኽሉን፣ ንቃንዛ ህዝቢ ከብቅዕን ንኢትዮጵያ ናብ ጎደና ብሩህ መጻኢ ክመልስዋን ጸዊዔን።