ተወላዶ ትግራይ ተታሒዞምሉ ዝነብረ መዓስከር ሰመራ ምሉእ ብምሉእ ምዕጻው ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

Your browser doesn’t support HTML5

ተወላዶ ትግራይ ተታሒዞምሉ ዝነብረ መዓስከር ሰመራ ምሉእ ብምሉእ ምዕጻው ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣብ ክልል ዓፋር ተወላዶ ትግራይ ተታሒዞምሉ ዝነበረ መዓስከር ሰመራ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተዓፀወ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ክልል ዓፋር ብመሰረት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝሃቦ ምኽሪ፣ ኣብቲ መዓስከር ንዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ፈቲሑ ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ብምግባሩ ድማ ናእዳን ኣፍልጦን ከምዘውህቦ ናይቲ ኮሚሽን ምኽትል ዋና ኮሚሽነር ራኬብ መሰለ ገሊፀን።

ክልል ዓፋር ብወገኑ እቶም ኣብ መዓስከር ሰመራ ዝነበሩ ተወላዶ ትግራይ ናብ መንበሪኦም ዝተመለሱ ቀዲሙ ብዝተትሓዘ ትልሚ እምበር እቲ ኮሚሽን ብዝሃቦ ምኽሪ ኣይኮነን ኢሉ።