ድሬዳዋ —
ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ምስ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምስ ብልጽግና ፓርቲ ድሬዳዋን ተራኺቦም ተመያይጦም።
እቶም ተወላዶ ትግራይ ኣብቲ ምይይጥ ኣብ ድሬዳዋ ዘጋጠሞም ጸገማትን ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ዘለዎም ሕቶታትን ኣልዒሎም ዘተ ኣካይዶም።
ኣብ ምምሕዳር ድሬዳዋ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ፓርቲ ኣቶ መብራቴ ገብረየስ፥ ኣብታ ከተማ ብሕጊ ተጠርጢሮም ዝተታሕዙ ተወላዶ ትግራይ መብዛሕቲኦም ይፍትሑ ምህላዎም ድሕሪ ምግላጽ ኣብዚ ሰዓት'ዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዘለዉ 23 ጥራሕ'ዮም ኢሉ ።
ምኽትል ሚኒስትር ትምህርቲን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወ/ሮ ሑርያ ዓሊ፡ ከምኡ ድማ ሓላፊ ክፍሊ ኢንዱስትሪ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣቶ ሙሉጌታ ሃብቶምን'ውን ዝተፈላለየ ሕቶታት ቀሪብሎም ምላሽ ሂቦም ኣለዉ ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5