ተንተንቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ግጭት ናብታ ሃገር ከይሰፍሕ ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ተንተንቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ግጭት ናብታ ሃገር ከይሰፍሕ ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፣ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝቀጸለ ውግእ ትሑት ቆላሕታ ረኺቡ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ ብተኸታታሊ ዘጋጥሙ መጥቓዕታት፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘጋጠሙ ውጥረታት፣ ኣብ’ታ ሃገር ካልእ ግንባር ንከይፈጥር ስግኣት ኣሎ።

ኣብ ፍሉይ ዞባ ኦሮምያ ትርከብ ከተማ ሰንበቴ ሎሚ’ውን ምስ ባህረረት እያ። ዝሓለፈ ሰነ ሰለስተ ዙር ውግኣት ኣብ ሞንጎ ሚልሻታት ኣምሓራ ወይ ፋኖን ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተሓባበሩ ሚልሻታት ኦሮምያን አጋጢሞም እዮም።

ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ’ቲ ስፍራ ምስ በጽሐ፣ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ሓይልታት ጸጥታን መራሕቲ ኮሚኒቲን ኣብ ሓደ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ተኣኪቦም ከጋጥም ዝኽእል ግጭት ከመይ ምውጋድ ከምዝካኣል ይዘራረቡ ነይሮም።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ድሕነትን ሰሜን ሽዋ ኣቶ ካሳሁን ብርሃኑ ከምዚ ይብሉ፣"ግጭት ብተደጋጋሚ የጋጥም ዘሎ፣ ብሰንኪ ምስፋሕ ጽንፈኛ ፍልስፍና እዩ። ሰላም ዘይደልዩ ሓይልታት ኣለው እዮም። ግጭት ኣብ’ዚ ከባቢ’ዚ ሓድሽ ፍጻመ ኣይኮነን። እቲ ጸገም ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ምቅጻሉ እዩ። እንተኾነ፣ ብዘይ ደጋዊ ደገፍ እዚ ማሕበረሰብ’ዚ ባዕሉ ፈቲሕዎ እዩ።"

ካብ ከተማ ሰንበቴ 36 ኪ.ሜ ርሒቃ ትርከብ ሸዋ ሮቢት’ውን ብሰንኪ ዕጡቃት ተወላዶ ኦሮሞን ኣምሓሩን ኣብ ጸገም ወዲቃ እያ። ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ’ውን ህውከት ከምዝናሃረ መስኪሮም እዮም። ከም ኣባሃህለኦም፣ ግጭት ደጋጊሙ ዘጋጥም ዘሎ ብሰንኪ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዘካይዶ ዘሎ ምልመላ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ጉጅለ ሽብር ኢሉ ዝጽወዖ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፣ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ዝተፈንጨለ ሓይሊ ምዃኑ ዝዝከር እዩ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ክሊ ስርዓተ ኢትዮጵያ ንዝበለጸ ምሕደራ ዝቃለስ ከምዝኾነ’ውን ይገልጽ። ነባራይ’ቲ ከባቢ ኣቶ ሽመልስ ዓሊ ከምዚ ይብል፣"እዚ እዋን’ዚ ዘሎ ግጭት ካብ’ቲ ናይ ሕሉፍ ግጭት ዝተፈለየ እዩ። ሓደ ኦሮሞታይ ብምስሕሓብ እንተመይቱ፣ ሕነ ንምፍዳይ ተባሂሉ ካልእ ኣምሓራይ ክቅተል እዩ ትጽቢት ይግበር እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና ፍልይ ዝበለ ኮይኑ ኣሎ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተሳታፋይ ኮይኑ ኣሎ። ንፈለማ ጊዜ፣ ከቢድ ብረት ኣብ ጥቅሚ ዝዋዓለሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።"

ሰበ ስልጣንን ተሓለቅቲ መሰላትን ካብ ፈለማ እዋን’ቲ ዓመት፣ ብዕጡቃት ኦሮሞን ኣምሓሩን ኣማኢት ተወላዶ ኦሮሞን ኣምሓሩን ተጨፍጪፎም እዮም ይብሉ። ብመሰረት’ቶም ተጣበቅቲ መሰላት ኩሎም ወገናት ኣብ መግሃስቲ መሰላት ኢድ ነይርዎም እዩ።

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸምዎ ሓይልታት ኣምሓራን ፌደራል መንግስቲን እዮም ይብል። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን መግለጺ ዘውጸአ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ፌደራል መንግስቲ፣ ካብ ኩሉ ኩርናዕ ተወጢሩ እዩ ዘሎ፣ ስለዚ፣ ህዝቢ ነንባዕሉ ንክባላዕን ግጭት ንክቅጽልን ይሰርሕ እዩ ዘሎ ከምዝበለ እቲ ዜና ይሕብር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ቀጺሉ ዘሎ ግጭት ዝሕተተሉ፣ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እዩ እዩ ዝብል።

ተንተንቲ ብወገኖም፣ ግጭት ምቅጻሉ፣ ነታ ሃገርን ነቲ ዞባን ስግኣት ህድኣት ከምዝኾነ ይዛረቡ። ሓደ ካብኦም ኣማኻሪ ጸጥታ ዴቪድ ዴል ኮንቴ እዩ። ንሱ ክዛረብ ከሎ፣ እቲ ውግእ፣ ንሰላም’ታ ሃገር ናይ ምዝራግ ተኽእሎ ኣለዎ ይብል።

"ውግእ ዞባ ኦሮምያ ብዝተናወሐ ቁጽሪ ንፌደራል መንግስቲ ምሒር ንክህወኽ፣ ከምኡ'ውን ርክብ ጎረባብቲ ክልላት ዘበላሹ ስለዝኾነ እዚ ንኢትዮጵያ ሕማቅ እዩ። እዚ ነቲ ክልል ሕማቅ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንህዝቢ’ቲ ክልል ሓደገኛ እዩ።"

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ህውከት ሽዋ ሮቢት፣ ከይዱ ከይዱ፣ ንከንቲባ’ታ ከተማ’ውን በሊዑ ኣሎ። መን ከምዝቀንጸሎ ግና ክሳብ ሎሚ ንጹር ኣይኮነን።