ተንተንቲ: ኣብ ኣፍሪቃ ዝውስኽ ዘሎ መጥቓዕቲ ግብረሽበራ ሸለል ከይበሃል የጠንቅቑ

  • ተወልደ ወልደገብረኤል
    ዜና ቪኦኤ

ወታሃደራዊ ልምምድ ፈረንሳዊያንን ኣይቨሪኮስታዊያንን

ዓለም ኣብ ወራር ሩስያ ንዩክሬን ኣተኩርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዞባ-ሳሕል ብእስላማዊ ዕጡቓት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎን፡ ናብ ምዕራባዊ ኣፍሪቃ`ውን ዝልሑኽ ዘሎን መጥቃዕትታት፡ ሃገራት ሸለል ከይብልኦ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ተንተንቲ የጠንቅቑ`ለዉ። ሓይልታት ፈረንሳ ኣብ ኣይቮሪኮስት፡ ኣድማዒ ዝኾነ ግብረ መልሲ ንምሃብ ዘኽእል ስልጠና ይህቡ'ለዉ። ተንተንቲ ግን፡ ድኽነትን ማሕበራዊ ጉድለታትን ፡ ግብረ ሽበራዊያን ንመንእሰያት ንኽምልምልሉ ዕድል ዝ ህብ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ኣብቲ ክሳብ ዋና ከተማ ኣይቮሪኮስት ዝዝርጋሕ ከባብታት ወሰን ባሕሪ፡ ኣይቮሪኮስትያውያንን ፈረንሳውያንን ሓይልታት ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣት ንምግጣሙ ክለማመዱ ይርኣዩ። ካብ 2020 ጀሚሩ፡ ምስ ኣልቃዒዳን ዳዕሽን ምትእስሳር ዘለዎም ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣይቮሪኮስት መጥቃዕትታት ፈጺሞም`ዮም።

Ivorycoast And French Military anti terror trainning

ሓደ ሽሙ ክነግር ዘይደለየ ኣይቮሪኮስታዊ ኮማንዶ፡ እቲ ስግኣት ርኡይ ምዃኑን ብኹሉ ዓቕሞም ክገጥምዎ ይዳለዉ ከምዘለዉን ከምዚ ክብል ይገልጽ: "ኣብዚ ኣብ ኣይቮሪኮስት ኣብ ምክልኻል ግብረ-ሽበራ ኢና ኣተኩርና ዘለና ምኽንያቱ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል`ዛ ሃገር ድሮ ግብረ-ሽበራ ይርአ ስለዘሎ። ኣብዚ ድማ ብባሕሪ ብኣየርን ብመሬትን ኢና ንዳሎ ዘለና። ነዚ ኢና ኣብዚ ገምገም ባሕሪ ልምምድ ንገብር ዘለና" ይብል።

ተንተንቲ ጉዳይ ጸጥታ ግብረ-ሽበራ ናብተን ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ይዛመት ኣሎ፡ ካብ መንጎዚአን ድማ ኣይቮሪኮስት:ጋና:በኒንን ቶጎን ተጠቀስቲ`የን ይብሉ።

ሰፊሕ ክፋላት ቡርኪናፋሶ:ማሊ: ኒጀር ግን ድሮ ብመዓልታዊ መጥቃዕቲ ይሕመስ ከምዘሎ`ዩ ዝግለጽ።

ነበርቲ`ቲ ከባቢ ገምገም ባሕሪ ኣይቮሪኮስት፡ ምስ`ቶም ኣሸበርቲ ናይ ምትሕብባር ኣንፈት ዘርእዩ እንተኾይኖም ዝተሓተተ ኣዛዚ ሓይልታት ፈረንሳ ኣብ ኣይቮሪኮስት ኮሌነል ኣርናውድ መተይ፡ ስግኣት ከምዘሎ ይገልጽ፡"ኣብዚ እዋን`ዚ ነበርቲ ከባቢ ምስቶም ጅሃዳውያን ኣይተሓባበሩን `ዮም ዘለዉ። ምኽንያቱ ካብ ሓይልታት ኣይቮሪኮስት ሓያል ዝኾነ ስራሕ ስለዝካየድ፡ ግን ከኣ ኣየሰክፈናን`ዩ ማለት ኣይኮነን" ይብል።

ኣስዒቡ እቲ ካብ ቡርኪናፋሶ ናብ ኣይቮሪኮስት ከይዝርጋሕ ኣስጊኡ ዘሎ ግብረ-ሽበራ፡ ነቲ ስግኣት ክንከላኸሎ ኣይንኽእልን ኢና፡ ተዋጊእና ግን ኣብ ልዕሊ`ቲ ስግኣት ክንዕወት ንኽእል ኢና ኢሉ።

ኣመሪካ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደ ኣብ መንጎ ዞባዊ ሓይልታትን ኔቶን ከምኡ`ውን ሓይልታት ኣመሪካን ሓደ ምትሕብባር ንምፍጣር ሓደ ፍሊንትሎክ ዝተባህለ ልምምድ ንመጀመርያ ግዜ ጌራ ኔራ። ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኣይቮሪኮስት ሪቻርድ በል፡ ኣንጻር`ቶም ናብ ደቡብ ገጾም ዝዝርግሑ ዘለዉ ጉጅለታት ሽበራ ቀጻልነት ዘለዎ ጻዕሪ የድሊ ይብል።

"ባህርያት ናይዚ ስግኣት፡ መሊእካ ክትምሕዎ ዘጸግም`ዩ። ግን ገና ኣብ ምጭጭሑ ከሎ ክትዓግቶ ዝክኣል`ዩ። ነዚ ህዝቢ ኣብ ምሕጋዝ ድማ ንሱ`ዩ ዘዐውት ኮይኑ ዝስምዓኒ" ይብል።

ተንተንቲ ግን፡ ወተሃደራዊ ፍታሕ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን ይብሉ። ጀፍሪ ጁሊን ካዎ፡ ካብ ኣብ ፈረንሳ ዝመደበሩ ፍሪድሪች ናውማን ፋውንደሽን`ዩ፡"እቲ ከባቢ ድኽነትን ድሕረትን ዘጥቅዖ ርኡይ ማሕበራዊ ጸገማት ዘለዎ`ዩ። እኹል ኣብያተ ትምህርቲ፡ ማይ: ኤለክትሪክ ከምኡ`ውን ንመንእሰያት ስራሕ የብሉን። ስለዚ እቶም ኣሸበርቲ ነዚ ማሕበራዊ ጉድለታት መዝሚዞም`ዮም ነቶም መንእሰያት ዝምልምልዎም" ይብል።

ነቲ ድልውነት ንምርግጋጽ ድማ ኣብቲ ዞባ ኣህጉራዊ ጻዕርታት ክሕይል ይጽውዕ።

((ሐንርይ Wኢልኪንስ፣ ፎር ቭዖዓ ኘውስ፣ ዓቢድጃን፣ ዒቮርይ ጮኣስት))