ተቓውሞ ኤርትራ ኣንጻር ኵነኔ ወራር ሩስያ ብዓይኒ ተመራማሪ ታሪኽ

Your browser doesn’t support HTML5

ተቓውሞ ኤርትራ ኣንጻር ኵነኔ ወራር ሩስያ ብዓይኒ ተመራማሪ ታሪኽ

ኤርትራ ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝዅንን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ተጻብኦታት ከተቋርጽ ንዝቐረበ ንድፊ ጽኑዕ ውሳነ (resolution) ካብ ዝተቓወማ ሓሙሽተ ሃገራት ክትከውን እንከላ፡ ጸኒሑ እቲ ድምጺ ኣብ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት (UN Human Rights Council) ምስ ሰገረ ድማ ብተመሳሳሊ ምስ ሩስያ ዝተቓወት ካልኣይቲ ሃገር ኣባል’ቲ ጉባኤ ኰይና ኣላ። እዚ እንታይ ሃገራዊ፡ ዞባዊ፡ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን ሳዕቤናት ክህሉዎ ይኽእል፡ ብተመራማሪን መምህርን ታሪኽ ፕሮፈሰር ዓወት ተወልደ ወልደሚካኤል ኣዘራሪብናዮ ኣሎና።