'ተስፋ ኣዲስ'፡ ትካል መሐብሐቢ ሕሙማት ካንሰር ህጻናትን ኣዴታትን ኢትዮጵያ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2015 ብዝተኣከበ መረዳእታ መሰረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 150,000 ሕሙማት ካንሰር ይምዝገቡ ካብዚኣቶም እቶም 6,000 ህጻናት ከም ዝኾኑ ቢኤምሲ ዝተባህለ ናይ ሕክምና መጽሄት ይሕብር። ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረክቡ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ዝውሕዙ ወለድን ህፃናትን ብወፃእታት መጉዓዝያ:መድሃኒት: መግብን መዕረፍን ይሳቀቐዩ።ነዚ ፀገም ንምፍታሕ 'ተስፋ ኣዲስ' ዝተባህለ ትካል መሐብሐቢ ሕሙማት ካንሰር ህጻናትን ኣዴታትን ኣብ ምስራሕ ይርከብ።