ተሳትፎ ነበርቲ ሜሪላንድ ተወላዶ ትግራይ ኣመሪካዊያን ኣብ መንፈቓዊ ምርጫ ኣመሪካ

  • ገብረ ገብረመድህን

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ዝመጽእ ሰሙን 8 ሕዳር 2022 ኣብ ኣመሪካ መንፈቓዊ ምርጫ ክካየድ ወፍሪ ምርጫ ብውዕውዕ ቀፂሉ ኣሎ።ኢትዮጵያዊያን ኣመሪካዊያን ጉዳዮም ከፈፅምሎም ይኽእሉ እዮም ንዝብሉዎም ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ፣ኣመሓደርቲ ክፍለ ግዝኣታትን ከባቢያዊ መራሕቶምን ንምምራፅ ድምፆም ካብ ምሃብ ሓሊፎም ዝተፈላለዩ ጎስጓሳታን ወፍርታትን እውን ኣብ ምክያድ ይርከቡ።