ተራ ደቀንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምቅላል ጎንጺ

Your browser doesn’t support HTML5

United Women of Horn ማለት ሕቡራት ደቀንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝብል ስያመ ዝተመስረተ ሓድሽ መርበብ ኣብ መጀመርታ ሰሙን’’ዚ ወርሒ ብመንዛ ኣቢሉ ፈላማይ ክፉት ዘተ ኣካይዱ’ሎ። እዚ ብፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃይመር ዝተኸፍተ ዘተ ኣመልኪትና፡ ብዛዕባ እቲ ዘተን እቲ ምትእኽኻብን ንኸብርሃልና ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣሎና።