ተራ ኣደታት ኣብ ምውጋድ ተጻብኦታት

Your browser doesn’t support HTML5

መስርሕ ሰላም ብዙሕ እዋን ንወሰንቲ ኣካላት ዝግደፍ መሲሉ ደኣ ይርአ’ምበር፡ እቲ ተግባር ግን ብዝነኣሰ ካብ ገዛ’ውን ክጅምር ዝኽእል’ዩ። ተራ ኣደታት ኣብዚ ብዂናት ዝሳቐ ዘሎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ክኸውን ይኽእል፧ ዜጋታት’ከ ካብ ላዕሊ ከይተጸብዩ፡ ብውልቆም፡ ኣብ ምፍታሕ’ቲ ግጭትን ምውጋድ ጽልኢን እንታይ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ፧ ነዚን ካልእ ምስኡ ዝዛመድ ኣርእስታትን ብዝምልከት ንወ/ሮ ዮርዳኖስ ገብረ/መስቀልን ራሄል ይፍጠርን ዓዲምናየን ኔርና።