ተመዛበልቲ መኾኒ መሰረታዊ ሓገዝ ኣይረኸብናን ይብሉ

Your browser doesn’t support HTML5

ዳግም ብዝተወልዐ ኲናት ኣብ መኾኒ ተዓቚቦም ዝርከቡ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ፡ እቲ ካልኦት ተመዛበልቲ ዝረኸቡዎ መሰረታዊ ቀረባት’ውን ከም ዝተሓረሞም ይገልጹ። ገለ ካብቶም ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተመዛበልቲ፡ በቲ ሓዲሩዎ ዝነበረ ተስፋታት ሰላም ምሉእ ኣይኰነን ይብሉ። ኣመራርሓ ሓደጋ እቲ ክልል ብወገኑ፡ ሓገዝ ካብ ምሕታት ከም ዘይዓረፉ የብርሁ።