ዋሽንግተን —
ኣብ ናሽናል ሳይንስ ፋውንደሽን ዝተባህለ ትካል ዘለው ተመራመርቲ ስነ ኰዀብ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ዓመታት ዝዓበየን ሓደገኛን ኰዀብ ምርካቦም ይገልጹ ኣለው።
እቲ 1.5 ኪ.ሜ ስፍሓት ዘለዎ 2022 AP7 ኰዀብ ብናይ ሚንስትሪ ጸዓት ኣመሪካ ካሜራ ኣብ ጥቓ መሬት ካብ ዝተረኽቡ ሰለስተ ከዋኽብቲ ሓደ'ዩ።
እቶም ተመራመርቲ እቶም ክልተ ከዋኽብቲ ኣብ ውሑስ ርሕቐት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከምዝርከቡን ምስ መሬት ኣብ ሓደ ዙርያ ቅናት ከምዝዞሩን ይሕብሩ።
ጩራ ጸሓይ እዞም ከዋኽብቲ ከይረኣዩ ዝክልኽል እንተኾነ ኣብ ሓጺር ጊዜ እዋን ጽልግልግ እቶም ተመርራመቲ ክርእይዎም ከምዝኸኣሉ ይገልጹ።