ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ንምዕጻው መዓስከር ስደተኛታት ደጊማ ክትምርምር ሓቲቶም

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ኬንያ ልዕሊ 400,000 ዝኾኑ ስደተኛታትን ዕቁባ ሓተትን ዝርከቡዎም ክልተ መዓስከራት ንኽዕፀዉ ዝሓዘቶ ውጥን ደጊሙ ክምርመር ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቶም ።

ኬንያ ድማ መዓስከራት ካኩማን ደደብን ክትዓፅዎም ምዃና ኣፍሊጣ እያ ። ነበርቲ መዓስከር መብዛሕትኦም ስደተኛታት ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን ኮይኖም ተወሳኺ ዝርርባት ምክያዶም እቶም መዓስከራት ካብ ምዕፃው ከትርፎም ይኽእል ዝብል ተስፋ ኣለዎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።