ተሓለቕቲ መሰላት ንምልዓል እገዳ ብሩንዲ ይነቕፉ

  • በትረ ስልጣን

ብሩንዲ

ተሓለቅቲ መሰላት ሕብረት ኣውሮጳ ብሰንኪ ግህሰት መሰላት፣ ስእነት ሰናይ ምሕደራን ልዕልና ሕጊን ነቲ ኣብ ልዕሊ ቡሩንዲ ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ምልዓሉ ይነቕፉ።

ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰደ፣ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቡሩንዲ ኣንቢራቶ ዝነበረ እገዳ ዝሓለፈ ሕዳር ድሕሪ ምልዓላ እዩ።

ተሓለቅቲ መሰላት ግን፣ ሰበ ስልጣን ቡሩንዲ፣ ንፖለቲካዊ ተቃወምቲ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሰባት፣ ሎሚ’ውን ግህሰታት ይፍጽሙ ኣለው ይብሉ።

ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ መንግስቲ ቡሩንዲ፣ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ስርዓቱ፣ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ናብ ንቡር ምምላሱን፣ ኣብ ቡሩንዲ ፖለቲካዊ ምዕባለ ተተግቢሩ እዩ ኢሉ ከምዝኣምን ይጠቅስ።