'ተላይ መሰንቆ' ንጽል ደርፊ ሱሌማን ኣሕመድ ልዑል ተቐባልነት ትረክብ

Your browser doesn’t support HTML5

'ተላይ መሰንቆ' ንጽል ደርፊ ሱሌማን ኣሕመድ ልዑል ተቐባልነት ትረክብ

ሱሌማን ኣሕመድ ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ ዝዓበየን ቅልጡፍ ተፈላጥነት ዝረኸበን መንእሰይ ስነ-ጥበባዊ እዩ።

'ተላይ መሰንቆ' ትብል ኣብ መበቆላዊ ባህሊ ብሄረ ትግረ ዝተመርኮሰት ናይ ፍቕሪ ደርፉ፡ ኣብዚ ዓመት ዝለዓለ ቁጽሪ ሰማዕቲ ካብ ዝረኸባ ደርፍታት ኮይና'ላ።

ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 2-ሚልዮን ግዜ ዝተሰምዐት ደርፊ ቋንቋ ትግረ ምዃና ድማ ተደራቢ ምስክር ተፈታውነታ እዩ።