ቫይረስኮሮና ካብ ዕዳጋ እንሰሳት እምበር ካብ ቤተ ፈተነ ከምዘይተበገሰ ሓድሽ ዝወጹ መጽናዕቲ ይሕብሩ

ቫይረስ ኮሮና ዓለምለኸ ለበዳ ምዃኑ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ድሕሪ ምእዋጁ ተመራመርቲ ጠንቂ’ቲ ሕማም ንምፍላጥ ክሰርሑ ጸኒሖም’ዮም።

እዚ 'ሳርስ ቫይረስኮሮና 2' ዝተባህለ ቫይረስ ፈለማ ኣብ ወሃን ቻይና ዝተራእየ ኮይኑ ካብታ ኣብታ ከተማ ዘሎ ዕዳጋ እንሰሳታት ዝለሓኾ’ዩ ዝብል መረዳእታ ኔሩ።

እቲ ዓለምለኸ ለበዳ እንዳገደደ ምስ ኸደ ግን ዝተፈላለዩ ተገራጫዊ ሓበሬታታት ብመሓውራት ዜናን መርበብ ሓበሬታታትን ክወጽእ ጀሚሩ።

ሓደ ካብቲ ዝወጽእ ዝነበረ ሓበሬታ እቲ ቫይረስ ኣብታ’ቲ ቫይረስ ፈለማ ዝተራእየላ ከተማ ዝርከብ ቤት ፈተነ ዉሃን ኢንስቲቱት ቴክኖሎጂ ዝለሓኾ’ዩ ዝብል’ዩ ኔሩ።

ኣብ ቀረባ ካብ ስክሪፕ ኢንስቲዩት ምርምርን ዩኒቨርሲቲ ኣሪዞናን ዝወጹ ክልተ መጽናዕትታት ግን እቲ ቫይረስ ካብታ ፈለማ እቲ ቫይረስ ዝተራእየላ ከተማ ውሃን ዝርከብ ዕዳጋ ፍርያት ባሕሪ ዝጀመረ ምዃኑ ይሕብር።

እቶም መጽናዕቲታት ወሲኾም እቲ ቫይረስ ካብ ቤተ ፈተነ ኮነ ካብ ካልእ ተርእዮ ዝነቐለ ከምዘይኾነ ይእምሙ።