“ቪቪ ኪድስ" ቆልዑ እንዳተዘናግዑ ዝመሃሩሉን ፕሮጀክት

Your browser doesn’t support HTML5

“ቪቪ ኪድስ" ቆልዑ እንዳተዘናግዑ ዝመሃሩሉን ፕሮጀክት

ቅሳነት ጎይትኦም ዝተባህለት በዓልቲ ሞያ ምህንድስና ኮምፕዩተር ቆልዑ እናተዘናግዑ ዝመሃሩሉ፡ ባህሎም፡ክብርታቶምን ልምድታቶምን ዝፈልጥሉ ፕሮጀክት ኣማዕቢላ።

እቲ ብትሽዓት ቋንቋታት ኤርትራ ዝተዳለው ፕሮጀክት፡ብመልክዕ ጎናዊ ርእየት (ኣኒሜሽን) ወይ ስእሊ ዝተዳለው ዝተፈላለዩ ቪድዮታት፡ጸወታታ፡ዛንታታትን ካልእን ትሕዝቶ ዝሓቖፈት ከምዝኾነት መሃንድስ ቅሳነት ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪባ።

እዛ ፕሮጀክት ኣብ ትምህርቲ ቆልዑን ካልእን ብዘለዋ እወንታዊ ኣበርክቶ፡ ቶታል ኣብ ዘዳለዎ ናይ 2022 ውድድር ምህዞን ሰንዓን ከምዝተዓወተት መንእሰይ ቅሳነት ገሊጻ’ላ።