ብዘይ ኣፍልጦ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝኣተው አባላት ጸረ ሽበራ ተመሊሶም

መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ

ቅድሚ 18 መዓልታት ብዘይኣፈልጦ መንግስቲ ትግራይ ናብ ከተማ መቐለ ኣትዮም ዝተበሃሉ 45 ኣባላት ፀረ ሽብር ፌደራል ፖሊስ ሎማ ናብ ዝመፅእዎ ክምለሱ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ።

እቶም ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ኣብ ከተማ መቐለ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣብ ዝርከብ ካምፕ ፖሊስ ፌደራል ብጥቡቕ ሓለዋ ኣካላት ፀጥታ ትግራይ ክፀንሑ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ’ሎ።

ሓላፊ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም እቶም ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣተውሉ “ኣተኣታትውኦም ስሕተት ነይርዎ ፤ንሕና ከይፈልጥና እዮም ኣትዮም ፤ሐዚ ግና ምስ መንግስቲ ፌደራል ተረዳዲእና ናብ ዝነበርዎ ክምለሱ ተገይሩ’ሎ’’ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ብዘይ ኣፍልጦ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝኣተው አባላት ጸረ ሽበራ ተመሊሶም