ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ምስ ኤችኣይቪ ቫይረስ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘይፍቃደን ምምካነን ገሊጸን

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኤችኣይቪ ቫይረስ ኣብ ደመን ዘለወን ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ወሊድ ሆስፒታላት ብዘይፍቓደን ክመኽና ከምዝገደድወን ገሊጸን።

ፀብፃብ ኮሚሽን ማዕርነት ፆታ’ታ ሃገር ኣብዚ ሰሙን ከምዝሓበሮ ኣብ ልዕሊ እተን ናይ ህዝቢ ሆስፒታላት ብ48 ደቂ ኣንስቲዮ ዝቐረበ “ጨካን፣ዘሳቒ ወይ ኢሰብኣውን ዘዋርድን ኣተሓሕዛ’” ምርመራ ከምዘካየድ ገሊፁ።

እዚ ካብ 2002 ክሳብ 2005 ኣብዘሎ እዋን ኣብ 15 ናይ ህዝቢ ሆስፒታላት ዝተፈፀመ ኣስገዳድ ናይ ምምካን ተግባር ህዝባዊ ቁጥዐ’ውንኣልዒሉ’ሎ።

ብመሰረት ሪፖርት ውድብ ጥዕና ዓለም ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘለዋ 7 ሚልዮን ምስ ኤችኣይቪ ቫይረስ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ዓለም ቅድሚት ትስራዕ።