ብኸፊል ዝተዓጽወ ምምሕዳር ኣሜሪካ ሓሙሻይ መዓልቱ ኣቑጺሩ’ሎ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ብኽፋል ዝተዓፀወ ምምሕዳር ኣሜሪካ ሎሚ ረቡዕ ሓምሻይ መዓልቱ ሒዙ’ሎ፤ከምዝፍታሕ ዝሕብር ምልክት ግን ኣይርኣይን ዘሎ።

ብዛዕባ እቲ ምዕፃው ትማሊ ሰሉስ ዝተዛረቡ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ንመስርሒ መንድቕ ዘቕረቡዎ ሕቶ መልሲ ክሳብ ዝረክብ ከምዝቕጽልሉ ገሊፆም ኣለው።

ፕረ. ትራምፕ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኮይኖም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ‘”መንግስቲ መዓዝ ከምዝኽፈት ክነግረኩም ኣይክእልን እየ።ክንገረኩም ዝኽእል መንድቕ ወይ ሓፁር /ሽሙ ዝበሉ ይበሉዎ/ክሳብ ዝስራሕ ኣይኽፈትን እዩ’’ ኢሎም።