ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ክርስትና ንዓርቢ ስቕለት ኣብ ከተማ የሩሳሌም ይዝክሩ

ካብ መላእ ዓለም ዝተኣኻከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ክርስትና የሱስ ክርስቶስ ንዝተሰቐለሉ መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት ሎሚ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ዘኪሮም።እቶም ኣመንቲ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሓ መስቀል ምሽካም ኣብቲ “ጎደና ሓዘን” ዝፍለጥ ጎደናታት ጥንታዊት ከተማ የሩሳሌም ብምጉዓዝ ንመዓልቲ ዓርቢ ስቅለት ዘኪሮም ኣለው።

ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ’ዚ ክብረ በዓል ካብ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ-ኣሜሪካ ዝመጸ ፍራንክ ካድወል “ኣብዚ ጎደና ክጉዓዝ ከለኹ ንስጉምቲታት የሱስ ክርስቶስ ከም ምኽታል’ዩ ዝስምዓኒ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ስምዒት’ዩ፡ ጽቡቕ ስምዒት’ዩ” ክብል ተመክርኡ ይገልጽ።

ወታሃደራትን ፖሊስ እስራኤልን ነቲ ጉዕዞ እቶም ኣመንቲ ዘሰነይዎ እንተኾነ እቲ ኩነታት ህዱእ ምንባሩ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ይሕብር።

ናይ ሎሚ ዓመት ዓርቢ ስቕለት ምስ ኣይሁዳዊያን ካብ ናይ ባርነት ግብጺ ዝወጸሉ መዓልቲ ተደሪቡ ብምውዓሉ ብዙሓት እስራኤላዊያን ናብ ከተማ የሩሳሌም ክውሕዙ ተራእዮም’ዮም።

ሓደ ካብኦም ኤዲ ስተርን “ እዚ በዓል’ዚ ናይ ስድራቤተይ በዓል’ዩ። ንህላወ እስራኤልን ንታሪኽ ኣይሁዳዊያን ኣብ እስራኤልን ዝገልጽ በዓል’ዩ” ይብል።

እዞም ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓላታት ኣብ ከተማ የሩሳሌም ኣብ ዝዝከረሉ ሎሚ ዓርቢ ኣመንቲ እስልምና ፍልስጤማዊያን ድማ ኣብ መስጊድ ኣል ኣሳቕ ናይ ዓርቢ ጸሎት ምክያዶም ድማ ነዚ መዓልቲ ፍሉይ ጌርዎ’ሎ።