ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ማእከላይ ኣሜሪካ ናብ ኣሜሪካ ተጓዒዞም

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ‘’ንጓቲማላ፣ሆንዱራሳን ኤል ሳልቫዶርን ናብ ኣሜሪካ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ንዝስደዱ ዘለው ዜጋታተን ደው ኣብ ምባል ስርሐን ስለዘይሰርሓ ዝውሃበን ረድኤት ምቕናስ ክንጅምር ኢና” ኢሎም።

ንሶም ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝፀሓፉዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ መብዛሕትኦም ካብ ሆንዱራስ ዝኾኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ብሰንኪ ዘሎ ህውከትን ድኽነትን ናብ ኣሜሪካ ንምብፃሕ ተጓዒዞም ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝበፅሑሉ እዋን እዮም።

‘’እቲ ዘሕዝን ፖሊስን ወታሃደርን ሜክሲኮ ናብ ደቡባዊ ዶብ ኣሜሪካ ተኣኪቦም ይጉዓዙ ዘለው ሰባት ደው ከብሉዎም ኣይክኣሉን፤ገበነኛታትን ካብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝመፁ ዘይፍለጡ ሰባት ተሓዊሶምዎም ኣለው።ህጹፅ ሃገራዊ ጉዳይ ስለዝኾነ ንሓለውቲ ዶብንን ወታሃደርን ኣጠንቂቐዮም ኣለኹ’’ኢሎም።