ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስ ተቐርቒሮም ይርከቡ

ዶብ ፖላንድን ቤላሩስ

ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ህፃናትን መናእሰይን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ኣብዚ አዚዩ ዛሕሊ እዋን አብ ግዚያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ምብራቓዊ ቤላሩስ ተዓፅዮም ይርከቡ ። ሰብኣውያን ተሓለቕቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው እዩ ክብሉ ከለዉ ሃገራት ኣውሮጳ ድማ ፕረዝዳንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉኬሼንኮ ነቶም ስደተኛታት ከም መሳርሒ ኲናት ኣንፃር ፖላንድ ይጥቀሙሎም ኣለዉ ክብሉ ይኸሱ ።

መብዛሕትኦም ካብ ኩርደኪስታን ዝመፁ ኮይኖም ብቐሊሉ ናብ ፖላንድ ክሰግሩ ተነጊሩዎም ዝመፁ እዮም ። መጠን ዛሕሊ እቲ ኸባቢ 16 ዲግሪ ትሕቲ ዜሮ ኣብዝኾነሉ ምብራቃቓዊ ቤላሩስ ዝርከቡ እዞም ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ሓሲቦም ሓይልታት ፀጥታ ፖላንድ ከሕልፍዎም ብዘይምኽኣሎም ሰበስልጣን ቤላሩስ ኣብ ዘዳለዉዎ ሎጂስቲካዊ ማእከል ተዓፅዮም ይርከቡ ።መብዛሕትኦም ህፃናት ዝሓዙ ስድራ ይርከቡዎም ። ንሳቶም ከምዝብልዎ ከባቢያዊ ወጥሪ ፖለቲካ ኣብ ዝነገሰሉ ግዳያት ይኾኑ ምህላዎም ይዛረቡ ድልየቶም ዝሐሸ ናብራ ሃገራት ኣውሮጳ ምንባር እዩ ።

ድልየት መብዛሕትኦም ናብ ጀርመን፣ፈረንሳ ፣ ስፔይንን ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ክሰግሩ'ዩ ኣብ ፖላንድ ንምፅናሕ ድልየት የብሎምን ።

ሃገራት ምዕራብ እዚ ብፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉኬሼንኮ ዝተቀነባበረ ህድኣትን ምስልን ሕብረት ኣውሮጳ ንምፅላም ዝፈጠርዎ ቅልውላው እዩ ፣ ብፍላይ ፖላንድ ነቲ ማዕበል ስደተኛታት ንምግታእ ሓይልታት ፀጥታ ፖሊስ ምውፋር ስዒቡ ዝመፅ እዩ ክብሉ ይኸሱ ።እቶም ስደተኛታት ብወገኖም ነቲ ብሓይልታት ፖላንድ ተደፊኦምን ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ተወሲዱዎም ተተመለሱ'ውን ፤ እቲ ዝተዓፅወ ማዕጾ ስጋብ ዝኽፈት በቲ ብኣግራብ ዝተመልኣ ከባቢ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም ክፍትኑ ምፅንሖም ይዛረቡ።

ባሃሽት ሻክሳን ካብ ዒራቅ ኩርዲሽ ዝመፀት ስደተኛ እያ ።“ ሕማቅ ተዘክሮ እዩ ዘለኒ፣ ብጣዕሚ እያ ዝሓዝን ፣ ኣብቲ ኣግራብ ዝበዝሖ ከባቢ ብዙሕ ሕማቅ ነገራት እዮም አጋጢሞምኒ ። በቲ ዝነፅጉልና ዘቃፅል ጋዝንሓሚምና ብዙሕ ተሳቂና ኢና ። እቲ ዝተዓፀወ ዶብ ፖላንድ ስጋብ ዝኽፈት ኣብዚ ክንፀንሕ ኢና ።”

ቤላሩስ ዋላ'ኳ ሓገዝ ከምትገብረሎም ቃል ኣትያትሎም እንተነበረት እቲ ዝኸውን ዘሎ ግን በኣንጻሩ'ዩ ።

ድሮ እኳ ንሃገሮም ዝተመልሱ ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝዛረብ ድማ ካብ ኩርደኪስታን ዝመፀ ፋራሕ መሓመድ እዩ ።

“ ወተሃደራት መፂኦም ፓስፖርትታቶም ብሓይሊ መንጢሎም ናብ መገዲ ኣየር ብምውሳድ ንዓዶም መሊሶምዎም ። ጭካነ እዩ ። ኣብዚ ድማ ዝረብሕ ነገር የለን ዝተወሰነ መግቢ እዩ ዘሎ ፣ ስልክታትና ነተሰአሉ ሓይሊ ኤሌክትሪክ የሎን። ዝተወሰኑ መሐለዊ ጽሬት እተሃለዉ ንሳቶም'ውን ዘሰክፉ እዮም።”

እቶም ስደተኛታት መዓልታዊ ሰለስተ ግዜ መግቢ ካብ ቀይሕ መስቀልን ካብ ሓይሊታት እቶም ፀጥታን ዝቀርበሎም ኮይኑ ካብቲ ቀፅሪ እቲ መዕቆቢ ክወፁ ከምዘይክእሉ ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ዋና ፀሓፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቤላሩስ ዴሚትሪቭ ሼቭትሶቭ እዮም።

“ኣብዚ ኩሎም አድለይቲ መሰረታዊ ነገራት ዝተማልኡ'ዮም ። ሰባት ንነዊሕ እዋን ክፅንሑ ይኸእሉ እዮም ። እቲ ሕቶ ግን ንሳቶም ይደልዩ'ዶ ኣይደልዩን ዝብል እዩ ።”

ካብቲ ብኣግራብ ዝተመልአ ኸባቢ ዝነበርሉ ኹነታት እዚ ብዝኾነ መለክዒ ዝሐሸ ሙዃኑ ዝሰማምዑ እቶም ስደተኛታት ዶባት ሕብረት ኣውሮጳ ስጋብ ዝኽፈት ምፅባዮም ክቅ፟ፅሉ ምኳኖም እዮም ዝገልፁ ።