ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብሰንኪ ግጭት ዕጡቓት ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሕ/ሃ ሃዲሞም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ዋና ከተማ ሊብያ ብዝተላዕለ ግጭት ካብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሃደሙ ስደተኛታት ብሶሉስ ናብ ኣብታ ከተማ ዝርከብ ካልእ መዕቖቢ ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብታ ሃገር ዝርኸብ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ብሶሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተዋጋእቲ ወገናት ስምምዕ ተኹሲ ደው ንምባል ምፍርራሞም ሓቢሩ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ኣብ መግለጺኡ ብተወሳኺ በቲ ግጭት ኣስታት 50 ሰባት ምሟቶም ገሊጹ’ሎ።