ደሴ —
ብሰንኪ ኣብ ክልል ዓፋር ዝቐጸለ ውግእ፡ ቑጽሪ ተፈናቐልቲ`ውን ይውስኽ ከምዘሎ ኣባላት ኣዋሃሃድቲ ረድኤት ክልል ዓፋር ይገልጹ`ለዉ።
ሓዲሽ ሪፖርት ጉዳይ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ ድማ፡ ብውሕዱ 300 ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ናብቲ ዝጸንሐ መዕቆቢ ከምዝኣተውን እቲ ቁጽሪ ይውስኽ ከምዘሎን ኣመልኪቱ`ሎ።
እቲ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መጎዓዝያ ስለምንታይ ከምዝተዓጽወ፡ካብ ክልል ዓፋር ምላሽ ንምርካብ ዛጊት ኣይተኻእለን።