ብሰንኪ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝረኣ ጎንጺ ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ይመዛበሉ

Your browser doesn’t support HTML5

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ደባይ ተዋጋእቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሮም መጥቃዕቲ ኣብ ዝኸፈትሉን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራ ምግሃሳት ፈጺሞምሉ ተባሂሎም ኣብ ዝተኸሰስሉን ክልል ኦሮምያ ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ከምዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ሸኔ ብምባል ዝጽውዖ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ግን ንሰላማውያን ሰባት ከምዘየጥቅዕ ንድምጺ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።