ብሰንኪ ኣብ ምብራቓዊን ደቡባዊን ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣስታት 33 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮም ተገሊጹ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ፋይል

ብሰንኪ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዓለም ኣብ ደቡባዊን ምብራቓውን ኣፍሪቃ ዝርከቡ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ህፁፅ ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮምን ፍርቂ ካብኣቶም ድማ ህጻናት ምዃኖም ናይዚ ህፃናት ኣድሕን ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ገሊፁ።እቲ ዞባ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ብህቦብላዊ ዝናብ፣ ምዕልቕላቕ ውሑጅን ድርቅን ዝተጠቕዐ እዩ።ተመራመርቲ ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ዋዒ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ካብዘሎ ዝልዓለ እዩ ይብሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዚያ ንሞዛምቢክ ዘጥቕዐ ሳይክሎን ኢዳይ ዝተባህለ ሓያል ንፋስን ዝናብን ዝተሓወሶ ህቦቡላ ምክንያት 1,300 ሰባት ምሟቶምን ብዝሒ ዘለዎም ዓድታት ብውሑጅ ከምዝተወሓጡ፣ከተማታት ክዕለቕልቑ፣ሓረስቶም ዘራእቶም ጥሪቶም ክዓንው ብኣጠቓላሊ ልዕሊ 2 ቢሊዮን ዶላር ይግመት ዕንወት ምውራዱ ይዝከር።

ኣብ ትካል ህፃናት ኣድሕን ዳይሬክተር ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሓገዝ ጋብርኤላ ዋይጅማን ብሰንኪ ቅልውላው ኩነታት ለውጢ ኣየር ምብራቓውን ደቡባዊን ክፋላት ኣፍሪቃ 16 ሚሊዮን ህጻናት ዝርከቡዎም እንተወሓደ ን33 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ውሕስነት መግቢ ከምዘድልዮም ገሊፃ።