ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

  • ዜና ቪኦኤ
    ጆ ዲካፕዋ

ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሚህ ሹከረይ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ፡ተዘራሪቡ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ካብ ፕረዚደንት ኣል -ሲሲ ዝተላእኸ መልእኽቲ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዘብጸሓ ሚንስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሩ ኣሎ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምስፋሕ ክልቲኣዊ ምትሕብባርን ዞባዊ ምዕባለን ከምተዘራረቡ ጠቂሱ ኣሎ።