ብልፅግና ፓርቲ ኢህወዴግ ዝሰርሖም ሰናይ ተግባራት ክቕፅልን ካብ ጌጋታቱ ድማ ንምእራምን ከምዝሰርሕ ተገሊጹ

ብልፅግና ፓርቲ ኢህወዴግ ዝሰርሖም ሰናይ ተግባራት ክቕፅልን ካብ ጌጋታቱ ድማ ንምእራምን ከምዝሰርሕ ኣባል ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ገሊፆም።

ሓድሽ ዝተመስረት ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ሽግራት ንምብዳህ ዝተፈጥረ ናይ መቃለሲ መድረኽ እዩ ዝበሉ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኣባል ኣመራርሓ እቲ ፓርቲን ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ፓርቶም ንናይ ትማሊ ብምፍራስ ንፅባሕ ዝሃንፅ ዘይኮነስ ናይ ዝሓለፈ ሰናይ ተግባር ብምቕፃል ጌጋታት ኣሪሙ ዝሳገር እዩ ኢሎም።ንሶም ነዚ ዝበሉ እቲ ፓርቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ደሴ ኣብዘዳለዎ መድረኽ ዘተ እዩ።

“ኢህወዴግ ናይዛ ሃገር ቁጠባዊ ለውጢ፣ልምዓት ብተወሳኺ ድማ ይንኣስ ይዕበ ንብዙሕ ዓመታት ሰላም ክቕፅል ዝገበረ ውድብ እዩ።ግን ኢህወዴግ ክንድ’ቲ ፅቡቕ ዝሰርሖ መሰረታዊ ጌጋታት እውን ፈፂሙ እዩ።ናይዚ ፓርቲ ተግባር ኢህወዴግ ዝሰርሖም ሰናይ ተግባራት ምቕፃልን ዘጉደሎም ድማ ንምምላእን እዩ።”

ኣቶ ገዱ ብምውሳኽ ኢህወዴግ ንክብሪን መሰልን ዜጋታትን ዝሃቦ ጠመተ ኣዚዩ ዝተሓተ እዩ ኢሎም።ኢህወዴግ ናይ ብሄርን ብሄረሰባትን መሰላት ምምላስ ሽግር የብሉን ግን ሓቃዊ ዝኾነ ናይ ርእሰ ምምሕዳርን መሰል ብሄረሰባትን ክኽበር ዝኽእል መሰል ውልቀሰባት ክኽበር ከሎ እዩ ኢሎም።

ኣቶ ገዱ ብምቅጻል ዝተዛብዑ ዛንታታት ኣብ መንጎ ህዝብታት እታ ሃገር ጥርጣረን ግጭታትን ኣስዒቦም እዩ ኢሎም።

ፓርቲ ብልፅግና ዝፈላልይ መንድቕ ብምፍራስ ዘራኽብ ድልድል ንምስራሕ እዩ ተመስሪቱ ዝበሉ ኣቶ ገዱ አንዳርጋቸው ብተመሳሳሊ ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ደሴ ኣብ ፕሮግራምን ሕገ ደንብን እቲ ፓርቲ ተዛቲዮም ኣለው።