ሰልፊ ብልጽግና “ንዅላቶም ኣማራጺታት ሰላም” ክፍትሽ ምዃኑ ገሊጹ

ፈላማይ ጉባኤ ብልጽግና ፓርቲ

ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ንዅላቶም ኣማራጺታት ሰላም ንምጥቃም ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ኣፍሊጡ።

እቲ ሰልፊ “ህዝቢ ትግራይ ዝኸፍሎ ዘሎ ዘይግቡእ ዋጋ” ንምትራፍ ምስምማዑ ዝገለጸ፡ ኣብቲ ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሩ ዝቃናዕ ዘሎ ፈላማይ ጉባኤ’ኡ ኢዩ።

ናይቲ ጉባኤ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሎ ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት'ቲ ሰልፊ ዶ/ር ቢቂላ ሁሪሳ “ናይ ህዝቢ ትግራይ ጉድኣት ናይቲ ካልእ ኢትዮጵያዊ ጉድኣት'ዩ፡” ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ኣብ ልዕሊ'ቲ ህዝቢ ይበጽሕ ኣሎ ንዝበሉዎ “ስቓይ” ንምትራፍ “ኵላቶም ኣማራጺታት ሰላም” ንምፍታሽ'ቲ ጉባኤ ምውሳኑ ሓቢሮም። ይኹን ደአ እምበር ብዛዕባ ዝተባህሉ ናይ ሰላም አማራጺታት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።

ብኻልእ ወገን “ህወሓት ንኻልእ ወራር ምድላዋት የካይድ ኣሎ” ዝበሉ ዶ/ር ቢቂላ ነዚ ድማ “ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕላሊ ምድላውን ገዛእ ርእስኻ ምሕያልን የድሊ፡” ኢሎም።

ሰልፊ ብልጽግና ኣብቲ ዘካይዶ ዘሎ ፈላማይ ጉባኤኡ ንመራሒ ኰይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ፕረዚደንት'ቲ ሰልፊ ገይሩ መሪጹ'ሎ። እቲ ጉባኤ ወሲኹ ንኣቶ ደመቀ መኮንን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት'ቲ፣ ንኣቶ ኣደም ፈራሕ ድማ ምክትል ፕረዚደንት ገይሩ ሸይሙ'ሎ።

ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ዝዀነ ብልጽግና፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ዝበሎ ውሳነ ክሳብ ሕጂ ካብ ህወሓት ዝተሰምዐ ግብረ መልሲ የለን።