ብሉጽ ተዋሳኢ/ት ንምልላይ ዝተኻየደ ውድድር “መን-ኣውራ” ተዛዚሙ

Your browser doesn’t support HTML5

ብሉጽ ተዋሳኢ/ት ንምልላይ ዝተኻየደ ውድድር “መን-ኣውራ” ተዛዚሙ

ብደረጃ ሃገር ናይ ፈለማ ዝዀነ ናይ መድረኽ ድራማን ፊልምን ውድድር ብሉጻት ተዋሳእቲ ‘መን ኣውራ’ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ሓሙስ 30 ሰነ ምሸት ኣብ ሲነማ ኣዝመራ ብዝተኻየደ ሻዱሻይ መድረኽ ተዛዚሙ።

ኣብዚ ውድድር ልዕሊ 100 ተዋሳእቲ ዝተሳተፉ ኰይኖም ኣብ በበይኑ ከተማታት ኤርትራ’ውን ዝሓቖፈ’ዩ ነይሩ።