ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ቕትለት ጀነራል ሰዓራን ገዛኢን ውሳነ ንምሃብ ንወርሒ ጥቅምቲ ቆጸራ ሂቡ

  • ዜና ቪኦኤ
    ተወልደ ወልደገብረኤል

ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ናይ ዝተቐተሉ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ጉዳይ ቤት-ፍርዲ ሎሚ ተራእዩ ኔሩ። ዓቃቢ-ሕጊ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ መሳፍንት ጥጋቡ ዘቕረቦም መሰኻኽር ኣኺሎምኒ`ዮም ኢሉ ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ`ሎ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣቐድም ኣቢሉ 17 መሰኻኽር ከቕርብ መዲቡ`ኳ እንተነበረ 10 ምስ ኣቕረበ ዝኣኽለኒ መርትዖ ሒዘ`የ ብምባል ነቶም 7ሸውዓተ ከምዘይቕርቦም ኣፍሊጡ`ሎ።

በዚ መሰረት ቤት ፍርዲ ብይኑ ንምሃብ ንወርሒ ጥቅምቲ ቆጸራ ሂቡ `ሎ።