ቤት ፍርዲ ነጻ ክወጹ ካብ ዝወሰነሎም 15 አባላት ኣመራርሓ ኦነግ ትሸዓት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ፖሊስ ምውዓሎም ጠበቓታቶም ገሊጾም

ላዕለዋይ መሪሕነት ኦነግ ዝኾኑ ኮሎኔል ገመቹ ኣያና ሓዊሱ 15 ሰባት ብቤት ፍርዲ ክፍትሑ እንተተወሰነ እውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከይወፁ እቶም ትሽዓተ ዳግም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ፖሊስ ምውዓሎም ናይ ተኸሰስቲ ጠበቓታት ገሊፆም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሳልሳይ ናይ ፀረ ሽብርን ሕገ መንግስትን ጉዳይ መጋባእያ 9 ግንቦት 2013 ዓ\ም ብነፃ ኣሰናቢቱዎም ከምዝነበረ ጠብቕኦም ሓቢሮም።

ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል እቶም ውልቀሰባት ብኻልእ ገበን ጠርጢረዮም መረዳእታ የተኣኻኽብ ስለዝነበርኩ እየ ዳግም ኣብ ቐይዲኣውዒለዮም ዘለኹ ኢሉ ኣሎ ።