ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ክልል ኣምሓራ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዝሃቦ መግለጺ
Your browser doesn’t support HTML5
ነጻነት፡ ስርዓት አልቦነት ኸአ ውልቐ መላኺነት ከምጽእ ከምዝኽእል እቲ ሕብረተሰብ እናተገንዘበ ብምምጽኡ ልዕልና ሕጊ ክኸበር ሕቶ ይለዓል ኣሎ ክብሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ አቶ ንጉሱ ጥላሁን ገሊጾም።
ኹሉ ጊዜ ለውጢ ኣብ ዝህልወሉ ላዕልን ታሕትን አሎ ኣብ ለውጢ ድማ ሰለስተ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምፍጣሮም ኣይተርፍን።
ለውጢ ዝድግፉ፡ነቲ ለውጢ ዝቃወሙን በቲ ለውጢ ዝደናገሩን ክብሉ ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ አቶ ንጉሱ ጥላሁን አረዲኦም።