ቤት ምኽሪ ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንዝተፈጸመ ጥፍኣት ኮኒኑ

ዋና ከተማ ኢትዮጵያ አዲስ አበባ

ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተፈጸመ ጥፍኣት ህይወትን ንብረትን ዝፈጸመ ይፈጽሞ ኣትሪርና ንኹንኖ ክብል ቤት ምኽሪ ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ፈጻሚ ስራሕ ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ዘይፍትሓውነት ምቅዋም ቀንዲ ዕላማኡ ምዃኑን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዝኾነ ወገን ንዝፍጸም ጥፍኣት ህይወትን ንብረትን ብጽኑዕ ንኹንን ኢሉ'ሎ። ኣብቲ ጎንጺ ዝዋስኡ ወገናት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊነትን ምሕላው ግዴትኦም ምኻኑ ተገንዚቦም ክንቀሳቀሱ ይግባእ'ውን ኢሉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መግለጺኡ ንምንታይ ፈጸምቲ ፈልዩ ከምዘይኾነነ ካብ ድምጺ ኣመሪካ ንዝቀረበሉ ሕቶ ዳይሬክተር'ቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ ሄኖክ መለሰ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ቀዳምነት ሰላምን ደሕንነትን ህዝቢ ከም ዘገድሶም ብምግላጽ ኣጻሪና ምስ ወዳእና ብወግዒ ክንኹንኖ ኢና ኢሉ።

መግለጺ እቲ ቤት ምኽሪ ብተወሳኺ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ጌርዎ ዝበሎ ዘይግባእ ተጽዕኖ ብፍላይ ኣመሪካ ንዕድል ኣገዋ ንምኽልኻል ክወስዶ እየ ዝበለቶ ስጉምቲ ኣብታ ሃገር ዝድለ ሰላም ዘየምጽእን ምክን ያታዊ ኣይኮነን ክብል ወቂሱ።