ቤላሩሳዊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ን10 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል

ተሓላቒ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ሓደ ካብ ዕዉታት ሽልማት ኖበል ሰላም 2022ን ዝዀነ ኣለስ ቢያሊያትስኪ (Ales Bialiatski) ቤት ፍርዲ ቤላሩስ ን10 ዓመታት ማእሰርቲ ፈሪዱዎ። “ቪያስና” እትብል ትካል መስሪቱ፡ ንግዳያት ጃምላዊ ማእሰርቲ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ዝከላኸል ዝነበረ ቢያሊያትስኪ፡ ምስ ክልተ መሳርሕቱ እታ ተጣባቒት ትካል’ዩ ሎሚ ዓርቢ ተፈሪዱ።

ቤት ፍርዲ ቤላሩስ ንሰለስተ መሪሕነት እታ ትካል፡ ኣብ ዘይግቡእ ምኽዕባት ገንዘብን ካልእ ዘይሕጋዊ ስራሓትን ተዋፊራ ምንባራ ብምኽሳስ’ዩ ንኣባላት ፍርዲ ሂቡ። እቲ ድሮ ኣብ ማእሰርቲ ን21 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ቢያሊያትስኪ ግን እቲ ክሲ ፖለቲካዊ ምዃኑ ይምጕት።

ኣለስ ቢያሊያትስኪ ምስ ናይ ዩክሬንን ሩስያን ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓለፈ ዓመት ሽልማት ኖበል ሰላም ወሲዱ’ዩ።