ቤሌጄም፣ዶሞኒካ፣ጀርመን፣ኢንዶኖዥያን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ንክኾና ተመሪፀን

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ቤሌጄም፣ዶሞኒካ ሪፓብሊክ፣ጀርመን፣ኢንዶኖዥያን ደቡብ ኣፍሪቃን ሓደሽቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ንክኾና ተመሪፀን።

ሓሙሽቲአን ሃገራት ዓለምለኸ ሰላምን ፀጥታን ንክሕሎ ሓላፍነት ናይ ዘለዎ 15 ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ኣካል ኣብ ዝቕፅል ሓደ ጥሪ 2019 ዓ.ም ክፅምበራ እየን።

ንኽልተ ዓመታት ኣባል ኮይነን ዝፀንሓ ኢትዮጵያ፣ቦልቪያ፣ካሳኪስታን፣ኔዘርላንድን ስዊድንን በዘን ሓደሽቲ ተተኪአን ኣለዋ።