ባንኪ ዓለም 80 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንሶማል ክህብ’ዩ

  • ዜና ቪኦኤ
    ገብረ ገብረመድህን

ሶማል ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ፈላማይ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ካብ ትካል ባንኪ ዓለም ክትረክብ እያ።

ናይ ሶማል ሚንስትር ገንዘብ ዓብዲራሕማን ዱኣለ በይለህ እቲ ባንኪ ኣብ ውሽጢ 27 ዓመት ፈላማይ ዝኾነ ናይ 80 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝፈቐደ ሓቢሮም።

60 ሚሊዮን ዶላር ናይታ ሃገር ፋይናንሳዊ ትካላት ንምልዋጥን ዓቕሞም ንምሕያልን ዝውዕል ክኸውን ከሎ 20 ሚሊዮን ዶላር ኸኣ ንኻልኦት ፕሮጀክትታት ክውዕል እዩ።