ዋሽንግተን —
ባንክ ዓለም ነቲ ብዂናት ዝተሃስየ ክልላት ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ቤን-ሻንጉል ጉመዝ፡ ኦሮሚያን ትግራይን ዝውዕል ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ። ከም ሓበሬታ እቲ ትካል፡ እቲ ንዳግመ-ሕውየት ብዂናት ዝተሃስዩ ወገናት ዝውዕል ሓገዝ፡ ብፈደራል መንግስቲን፡ ክልላትን ኣብ ባይታ ዝርከቡ ማሕበረ-ኮማትን ዝትግበር ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብቲ ገና ኲናት ዘይዓረፈሉ ወገናት ግን ብሳልሳይ አካል ዝሳለጥን ዝፍጸምን ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ሓገዝ ኣብ ጽላታት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ቀረባት ማይን በቲ ኲናት ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝወረደን ደቀንስትዮ ክውዕል’ዩ።