ባህላዊ መግቢ ዓሳ “ሞፋ” እተዳሉ ቤት መግቢ ሰላም ምጽዋዕ

Your browser doesn’t support HTML5

ቤት መግቢ ሰላም ምጽዋዕ፡ ብእተዳልዎ ባህላዊ መግቢ ዓሳ ‘ሞፋ’ እትልለ ቤት መግቢ’ያ። ካብ ዝተመስረተትሉ 1930ታት ጀሚራ ን90 ዓመታት ኣብ ስድራ-ቤት እንዳተሰጋገረትት ንሰለስተ ወለዶ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምትርከብ ወናኒኣ ኣቶ ማሕሙድ ኣቡበከር ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም። እዛ ብስድራ-ቤት እትካየድ ቤት መግቢ ዝተፈላለዩ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳታት ብዘይ ዘይቲ (ቅብኣት) ብፍሉይ ዓይነት ዕንጸይቲ ብምጥባስ ንተገልገልቲ ከም እትቕርብ ኣቶ ማሕሙድ ይዛረቡ።