ዋሽንግተን —
ከም ዋና ቤት ፅሕፈት ምስጥራዊ ኣገልግሎት ኣመሪካ (The US Secret Service) ኮይኑ ዘገልግል ኣብ ዋሽንግትን ዝርከብ መፍለይ ምልክት ዘይብሉ ህንፃ መብዛሕቲኦም በጻሕቲ ክበፅሕዎ ዘይኽእሉ ቤተ መዘክር እዩ።
ኣብ ምስጥራዊ ኣገልግሎት ኣመሪካ ዓቃቢ መዛግብትን ክኢላ ታሪኽን ማይክ ሳምፕሰን "ዝበዝሑ በፃሕቲ ናይዚ ቤተ መዘክር ሰራሕተኛታት፣ሰራሕተኛታት ነበር ፣ስድራን ጋያሹን፣ክቡራት ገያሾን ኣኽበርቲ ሕግን እዮም’’ኢሉ።ንሱ ወሲኹ ውሱን ፀጋታትን ስኽፍታታት ድሕነትን ናይቲ ኤጀንሲ ሙዚየም ወይ ቤተ መዘክር ምርኣይ ክድረት ዝገበሩዎ ምኽኒያታት እዮም ይብል።