ቍጽሪ ሓደስቲ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ኣሜሪካ ብዕጽፊ ይውስኽ ኣሎ

  • ዜና ቪኦኤ

ብመሰረት ጸብጻባት ማእከላት ጥዕና ኣሜሪካ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣስታት 26-ሽሕ ዜጋታት በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ተመዝጊቡ። እዚ ኣሃዝ’ዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወርሒ መጠን መልከፍቲ ብዕጽፊ ምውሳኹ ዘርእይ ’ዩ። ሰብ-ሞያ ጥዕና ንቅልጡፍ ለብዒ’ዚ ቫይረስ ክልተ ምኽንያታት ይገልጹ። እቲ ቀዳማይ ኣብ ፈልቂ ቫይረስ ደልታ ዝርአ ዘሎ ቅልጣፈ ምልባዕ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ክታበት ንዘይምውሳድ ዝርአ ዘሎ ምጥርጥራር’ዩ። መንግስቲ ክታበት ቀሪቡ ልዑል ጎስጓስ ደኣ ይግበር እምበር፡ ዛጊት 49% ኣሜሪካውያን ጥራይ ምሉእ ክታበት ወሲዶም ምህላዎም መዛግብቲ ይሕብሩ።

ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዳህሳስ ካብቶም ዝተኸትቡ 86% ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ተኸቲቦም ዘለዉ ሰዓብቲ ሰልፊ ሪፓብሊካን ግን 45% ጥራይ’ዮም።

ሰብ-ሞያ ጥዕና፡ እቲ ሰፊሕ ሰረት ሒዙ ዘሎ ዝንቡዕ ወረታት ክታበት ኣበገስቱ፡ ወግዓውያን ዘይኰኑ ምንጭታት ዜና ምዃኖም የመልክት። እቲ ተርእዮ ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ ድማ እቶም ሰብ-ሞያ ወሲኾም ይሕብሩ።