ቅዱስ በዓል ጥምቀት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ ውዒሉ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ቅዱስ በዓል ጥምቀት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ ውዒሉ

በዓል ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ በብይኑ ከተማታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኣሽሓት ምእመናን በጻሕቲን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብድሙቕን ሰለማዊ መገዲን ምሕላፉ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ካብ በበይኑ ኵርናዓት ሓቢሮም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጃን ሜዳ ኣብ ዝተባህለ ስፍራ፡ ብዙሓት ምእመናን ዕዱማት ኣጋይሽን ነቲ ሃይማኖታዊ ጽንብል ምስታፎም ወኪልና ካብቲ ቦታ ልኢኹ። ኣብ ከተማ መቐለ፡ ሎሚ ንሳልሳይ ዓመቱ እቲ በዓል ኣብ ኣድባራት ተኸቢሩ'ሎ።

ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ባሕረ ጥምቀት ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ዝተኻፈሉ ምእመናን፡ እቲ በዓል ሃይማኖታውን ባህላዊን ትሕዝቶኡ ሓልዩ ብምዕሩግ ኣገባብ ከም’ተኸብረ ወኪልና ካብ ኣስመራ ልኢኹ ኣሎ።

እቲ በዓል ከከም ቦታኡን ኣከባቢኡን ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላም ምሕላፉ’ውን ዝበጽሓና ጸብጻባት የመልክት።

በዓል ጥምቀት ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ምስ ዘይድህሰስ ቅርስታት ምዝግቡ ምዃኑ ይፍለጥ።