ቃለ መጠይቕ ምስ ጋዜጠኛ ስፖርት ኣማኑኤል ኣልኣዛር ኣብ ሴካፋ 2019

Your browser doesn’t support HTML5

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ደቂ ተባዕትዮ(ዓበይቲ): ሎሚ ቀትሪ: ኣንጻር'ታ ኣብ 2017 ሻምፕዮን ሴካፋ ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ: 4-1 ተዓዊታ ንዋንጫ ሓሊፋ`ላ። ብፍላይ ተኸላኻላይ ጋንታ ኤርትራ ኣቤል ሰለሙን ካብ ከባቢ ፍርቂ ሜዳ ቀሊዑ ዘመዝገባ ጎል ንብዙሓት ከም ዝገረመት ነቲ ጸወታ ዝተዓዘበ ጋዜጠኛ ስፖርት ኣማኑኤል ኣልኣዛር ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ሓቢሩ`ሎ።