ቃለ መጠይቕ ምስ ድምጻዊ ይርግአለም ጌታቸው

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ መጠይቕ ድምጻዊ ይርጋአለም ጌታቸው

ልዕሊ 100 ግጥምን ዜማን ደርፍታት ከምዝሰርሐ ድምፃዊ ይርጋአለም ጌታቸው ይሕብር። ይርጋአለም ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሓሙስ ተወሊዱ ዓብዩ፡ ምስ ትያትር ቆልዑ ሸዊት ስነ ጥበብ ጀሚሩ። ይርጋአለም 4 አልበም ሰሪሑ ምስ ውርያት ድምፃውያን ብሓባር ሰሪሑ። ሕጂ ናብ ኢትዮጵያ ትግራይ ብምምፃእ ኣብ ስነ ጥበብ ይነጥፍ ምህላው ይገልጽ። ንተጋሩ ድምፃውያን ግጥምን ዜማን ምብርካት’ውን ጀሚሩ ኣሎ።

ይርጋአለም ግጥሚ ኮነ ዜማ ብዘይምክንያት ኣይሰርሕን ይብል። “ዘሕጉስ ወይ ዘሕዝን ኣጋጣምታት ክረክብ ከሎ ግጥሚ ይጽሕፍ” ድማ ይብል። ደርፍታት ይርጋአለም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪክ ተበጊሱ ከምዝጽሕፎ ከም ውጽኢቱ ድማ ንበዓልቲ ቤቱን ኣብ ህፃንነታ ዝተፈለየቶ ቦኽሪ ጓሉን ምድራፉ ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ምስ ይርጋአለም ዝተኻየደ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይከኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ መጠይቕ ምስ ድምጻዊ ይርግአለም ጌታቸው