ቃለ መጠይቕ ምስ ደራሲት መጽሓፍ ቆልዑ ወ/ሮ ለምለም ከንቲባ

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ መጠይቕ ምስ ደራሲት መጽሓፍ ቆልዑ ወ/ሮ ለምለም ከንቲባ

ለምለም ከንቲባ ፔጅ ትበሃል፡ ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት በዓልቲ ሞያ ሳይበር ሰኩሪቲ እያ።

ለምለም ኣብዚ ሕጂ እዋን ወዲ ትሸዓተ ዓመት ዝዕድሚኡ ወዳ ዮሴፍ ወዲ ክልተ ዓመት እንከሎ ዘረባ ምዝራብ ብዘይምጅማሩ ሰብ ሞያ ሕክምና ምልክታት ‘ኦቲዝም’ ከምዘለውዋ ሓቢሮምዋ።

ብድሕሪኡ ብምኽሪ ሰብ ሞያ ሕክምናን ዘይህለል ጻዕሪን ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ዮሴፍ ክዛረብ ክኢሉ ካልእ ምስዚ ዝተሓሓዝ ዝነበሩ ጸገማት’ውን ምሉእ ብምሉእ ከምዝተአልዩ ብሰብ ሞያ ሕክምና ተነጊርዋ።

ድሕሪ’ዚ ነቲ ንሳ ዝገጠማ ንካልኦት ትምህርቲ ክኸውንን ብዛዕባ ‘ኦቲዝም’ ዘሎ ኣፍልጦ ንምዕባይን “ኪንግ ዮሴፍን ሂስ ሱፐርሂሮስ’ ዘርእስቱ ናይ ህጻናት መጽሓፍ ብምጽሓፍ ንሕትመት ኣቕሪባ። እዚ መጽሓፍ ንተመክሮኣን ንታሪኽ ወዳን ዝገልጽ መጽሓፍ’ዩ። ብተወሳኺ ‘ብሪጅ ዘ ጋፕ’ ዝብል ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ብምምስራት ከምዚ ዓይነት ምልክታት ንዝረአዮም ቆልዑ እቲ ዘድልይ ናይ ሕክምና ምክትታል ክረኽቡ ዝሕግዝ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝተአኻክብ ትካል መስሪታ ትሰርሕ አላ። ኣብ በብእዋኑ’ውን ንምልክታት ‘ኦቲዝም’ ዝምልከት ሓበሬታን ተመክሮ ንምልውዋጥን ዝተፈላለዩ ምድላዋት ተዳልው።