ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣብ ክንክን ቆርበት ስነ ጽባቐን ትነጥፍ መንእሰይ ሓበን ግርማይ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ፡ ብንእሽቶኣ ናብ ኣመሪካ ዝመጸትን “ሽኮሪና ባይ ሓቢ” ዝብል ትካል ክንክን ቆርበት ስነ ጽባቐን እትውንን ሓበን ግርማይ፡ ብዘይካ'ቲ ትህቦ ኣገልግሎት ጥዕና ቆርበትን ስነ ጽባቐን ናታ ፍርያት ብምቅማምን ምድላውን ንዕዳጋ ተቕርብ። ፍርያት ትካል "ሽኮሪና ባይ ሓቢ" ናይ ትግርኛ ኣስማት ዘለዎም ፍርያት ምዃኖም ብተወሳኺ ባህላዊ ዲሳይን ብምጥቃም ከምዝዕሸጉ'ውን ሓበን ትገልጽ።